– ኣብ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ማእከል ዝገበረ መትከላዊ ስምምዕ
– ኣብ መንጎጎ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ግዝአተ ሕጊ ዝነገሳ ሃገረ ኣብ ምምስራት በቲ ሓደ መዳይ ሰላምን ዲሞክራሲያዊ መሰላት ህዝቢ ትግራይ ዝዕቅብ መትከላት ተመርኮሰ ዝግበር ንናይ ሓባር ረብሓ ዝዓለመ ስራሕ
– ኣብ ሞንጎ ክልተ ድክታተራት ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኢትዮፕያ ኢሰያስ ናይ ኤርትራ ዘሎ ዘይቅዱስ ምሕዝነት ሰላምን ርግኣትን ፈጢርዎ ዘሎ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነት ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኤርትራውያን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ተመሓዚዩ ንዓመጽቲ ክምክት ስትራተጊካዊ ረብሓታት ክልቲኡ ህዝብታት ዘውሕስ ኢልና ስለንኣምን
– ምትሕግጋዝ ብነጻ ድልየት ክልቲኡ ኣካላት ኮይኑ መደባትን ውጥናትን ኣብ ምትግባር ምትሕግ ጋዝ ድኣምበር ምትእትታው ብዘየፍቅድ ኣገባብ ክትግበር
– መጻኢ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላምን ምርግጋእን ዕብያት ብዘውሕስ መገዲ ባይታ ዘጣጥሑ ትግባረ ስራሓት ምርግጋጽ